ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ደብዳቤ ሽመት ኣምባሳደራት 5 ሃገራት ተቐቢለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለ ወርቅ ዘዉዴ ሃገሮም ንምውካል ተሾይሞም ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ሓሙሽተ ኣምባሳደራት ደብዳቤ ሽመት ተቐቢለን።

ደብዳቤ ሽመት ዘቕረቡ ኣምባሳደራት፦

ኣምባሳደር ፓሃላ ራላጅ ሳናታና ሱጂሽዋራ ጉናራትና ካብ ስሪላንካ፣

ኣምባሳደር ኤልሃምዲ ሳላ ፍራንሲስ ካብ ኣልጄሪያ፣

ኣምባሳደር ኣንቷን ካሚሌሪ ካብ ቫቲካን፣

ኣምባሳደር ኔስትሮ ኣሌሃንድሮ ሮዛ ናቫፖ ካብ ኡራጋይ፣

ኣምባሳደር ሲም ቶንግ ጉክ ካብ ሰሜን ኮሪያ ኢዮም።

እተን ፕሬዚዳንት፥ እቶም ኣማባሳደራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ንኽሰርሑ ከምዘበረታትዐኦምን ፅቡቕ ዘበን ስራሕ ንኸኾነሎም ከምዝተመነያሎምን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment