ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንኹሉ ዝሓቖፈን ተበፃሒን ንክኸውን ሃገራት ብዕቱብ ንክሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንኹሉ ዝሓቖፈን ተበፃሒን ንክኸወን ሃገራት ብዕቱብ ንክሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እተን ፕሬዚዳነት ነዚ ዝበላ፥ “ሓቛፊነት ዲጂታል” ኣብ ዝብል ዘድሃበ ዘተ ብኢንተርኔት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኢየን።

እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈታ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ፍሉይ ደገፍ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዘድሊየን ሃገራት ከምኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ፈተና ከመዝኾነ ተዛሪበን።

ፈርቂ ክፋል ዓለምና ካብ ዲጂታል ቴግኖሎጂ ወፃእ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንኹሉ ዝሓቖፈን ተበፃሒን ንክኸወን ሃገራት ብዕቱብ ንክሰርሓ ፃውዒት ኣቕሪበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ሓቛፊ ዲጂታለ ቴክኖሎጂ ንምትግባር ቆራፅ ከምዝኾነ ዘረጋገፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ እዚ ጋህዲ ንምግባር እውን ተቖፃፃሪ ቴሌኮሙዩኒኬሽንን በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽንን ከምዝተጣየሸ ገሊፀን።

ቀንዲ ትኹረት እቲ ምድላው፥ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ጉዱኣት ኣካልን ዓቕሚ ዘይብሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዘፈር ሓቛፊ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ማዕረ ተረባሕቲ ንምግባር ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ናብ ሓዱሽ ጉዕዞ ብዝብል ኣብ ሓቛፊ ዲጂታል ዘድሃበ ዘተ፥ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መስረትቲን ሓለፍቲን ዓለም ለኸ ትካላት፣ ከምኡ እውን ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ተሳቲፎም።

ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ልምዓት ቴሌኮም ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment