ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኮትዲቧር ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፤ 7 ታሕሳስ፣ 2014(ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኮትዲቧር ኣቲየን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ርእሰ ከተማ ኮትዲቯር ኣቢጃን እንትበፅሓ፥ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣላሳኔ ኦታራ ኣገባብላ ገይሮምለን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኮትድቯር ኣብ ዝህልወን ፃንሒት፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዝምልከት ምስቶም ፕሬዚዳንት ክዛተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኮትዲቯር ካብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓንቲ ንትትከውን፥ ኣብዚ ሰሙን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ጉባኤ ንኽፅዋዕ ንዝቐረበ ሓሳብ ድምፂ ኣይሃበትን።

ኢትዮጵያ ካብ ሓደሓደ ምዕራባውያን ሃገራት እናጋጠማ ዝርከብ ፅዕንቶ ንምፅዋር ምሕዝነት ሃገራት ኣፍሪካ ኣዚያ ኣብ ትደልየሉ እዋን እተን ፕሬዚዳንት ምስ ኮትዲቯ መዘነአን ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከረድኣ ኢየን ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment