ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ናብ ጊኒ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ትማሊ ምሸት ናብ ጊኒ ኣቲየን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ጊኒ ከተማ ኮናክሪ እንትበፅሓ ድማ ፕሬዚዳንት ጊኒ ኣልፋ ኮንዴ ኣቀባብላ ገይሮምለን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ናብ ጊኒ ዘቕነዓ፥ ኣብ በዓል ሽመት ፕሬዚዳንት ጊኒ ኣልፋ ኮንዴ ንምስታፍ ኢዩ።

ኣልፋ ኮንዴ ኣብዚ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዘ ምስዓሮም ይፍለጥ።

ጊኒ ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እንትትከውን፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብብርኪ መራሕቲ ብዝተገበሩ ልውውጥ ዑደታትስራሕ ብዙሓት ስምምዓት ተፈሪሞም ኢዮም።

ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ስምምዓት ድማ ኣብ ዘፈር ጥዕና፣ሕርሻ፣ ቱሪዝምን ልውውጥ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብን ዝበሉ ምትሕብባራት ይርከቡዎም።

ጊኒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2014 ብለበዳ ኢቦላ ኣብ ዝተጠቕዐትሉ እዋን፥ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ናብታ ሃገር ተልኢኾም ምግልጋሎም ይዝከር።

ፍልፍል፦ ኢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment