ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝሃባኒ ኣፍልጦን ምስጋናን ተሓጒሰ እየ – ኣትሌት ታምራት ቶላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝሃባኒ ኣፍልጦን ምስጋናን ተሓጒሰ እየ ክብል ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብሕታዊት ሜዳሊያ ወርቂ ዘምፀአ ኣትሌት ታምራት ቶላ ገሊፁ።

ኣትሌት ታምራት ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን÷ ኣብ ጉድኣት ስለዝነበረ ኣብ ማራቶን ናይ ምውድዳር ዕድል ንዝሃቦ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ኣትሌት ሲሳይ ለማ ካብ ረብሓ ውቅለሰብ ንላዕሊ ሓደራ ሃገርን ህዝቢን ብምቕዳም ዝወሰኖ ውሳነ ኢዩ ብምባል ነቲ ኣትሌት ዘለዎ ክብሪ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስማዓ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ÷ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ዝቐደመ ብራኽኡ ንኽምለስ ፀገማት ብምፍላይ ህፁፅ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

እቶም ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ብዝነበሮም ተሳትፎ ናይ ዓቕሞም ፃዕሪ ብምግባር ንኢትዮጵያ ሜዳሊያታት ብምምፀኦም ክብሪን ምስጋናን ይግበኦም ኢለን።

ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ንኽትፍለጥ ዘኽአለን እቲ ዓውዲ ስፖርት ምስ ህዝቢ ጥብቂ ምትእስሳር ስምዒትን ዘለዎ ከምዝኾነን እተን ፕሬዚዳንት ኣልዒለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሊምፒክ ዘለዋ ው ፅኢት ካብዚ ንላዕሊ ከይወርድ ኣቐዲሙ ናብ ዝነበሮ ብራኸ ንኽምለስን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

Comments (0)
Add Comment