ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ስርዓተ-ምግቢ ኣፍሪካ ንምልዋጥ ኩሉ ርብርብ ንኽገብር ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ስርዓተ-ምግቢ ኣፍሪካ ንምልዋጥ ኩሉ ርብርብ ንኽገብር ሓቲተን።

“ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ትኽእል ኢያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢትዮጵያ ዘሰናአቶ መድረኽ ዘተ ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ 90 ሚኢታዊ ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ተግባር ሕርሻ ብዝተበጣጠሰ መገዲ ዝሳለጥ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

“ሓረስቶት እውን ብክሌማዊ ለውጢ እናተፈተኑ ይርከቡ” ኢለን።

ኣብ መፍረያይነት ምግቢ ዓብዪ ፈተና እናኾነ ዝመፅአ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ብትግሃት ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚበን፡፡

ኣፍሪካ ብምግቢ ርእሳ ንኽትክእል ግዚኡ ሕዚ ስለዝኾነ ኩሉ ርብርብ ንኽገብር ሓቲተን፡፡

ኢትዮጵያ ብምግቢ ርእሳ ንምኽኣል ዝተባባዕ ስራሕቲ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ተግባራት ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሃገር ለኸ ልምዓት ስርናይን መርሃ ግብሪታት ትሩፋት ሌማትን ከም ኣብነት ፀሪሐን፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ቱኒዚያ ኣሕመድ ሃሻኒ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ስግግር መንሴቲ ቻድ ሰክሰስ ማስራን ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትራትን ዲፕሎማሰኛታትን ተረኺቦም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment