ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ግሪኽ መዘነአን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ክሪኽ ካትሪና ሳኬላሮፖሉ ኣብ መንበሪ ገዝአን ብምርካብ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ግሪኽን ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዳግም ኣረጋጊፀን።

ፕሬዚዳንት ስህለወርቅ ዘውዴ ኢትዮጵያን ግሪኽን ክልተኣዊ ርክብ ከምዘለወን ብምግላፅ፥ እቲ ርክብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምብፃሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ፕሬዚዳንት ግሪኽ ብግደአን፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ ግሪኽ ከምዝነብሩን ንብዙሓት ዓሰርተ ዓመታት ተለዋዋጢ

ምንቅስቓስ ዝነበሮ ማሕበረሰብ ግሪኽ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝነብር ኣብሪሀን፡፡

እቲ ዳያስፖራ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ምሕዝነት ምትእስሳርን ምትሕብባርን ዘጠናግኽር ድልድል ብምዃን ባህሊ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣልዒለን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኣቴንስ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ፖለቲካ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ግሪኽ ይርከባ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment