ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣካቢ ቦርድ መልቲቾይስ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣካቢ ቦርድ መልቲቾይስ ኢምቲያዝ ፓቴል ተዛቲየን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ ትካላት ብመንፅር ናይ ሓባር ክብሪታት ምፍላጥ ዘለዎም ግደ ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።

ብተወሳኺ ካልኦት ትካላት መፃኢ ተውልዲ ብእወንታ ኣብ ምቕራፅ ብዛዕባ ዘለወን ግደ መብርሂ ከምዝሃባ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

መልቲቾይስ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ስፍሕ ዝበለ ኢንቨስትመንት ከምዘለዎ የፍለጥ።

ብፍላይ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ተሃድሶን ሓበሬታን ከምኡውን ኣብ ዓውዲታት ስፖርትን ተሃድሶን ሃገራዊ ተሕዝቶ ዘለዎም ፕሮግራማት ኣብ ምስንዳእ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment