ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ናይሮቢ ኣምሪሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኬኒያ፣ ናይሮቢ ኣምሪሐን።

እተን ፕሬዚዳንት ንሓደ መዓልቲ ዝፀንሕ ዑደት ስራሕ ኢየን ከካይዳ ተባሂሉ።

ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሓ፥ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያን ኣብቲ ሃገር በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ መለስ ኣለምን ኣቀባብላ ገይረሙለን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት፥ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ክልቲኣዊን ከባቢያዊን ዛዕባ ብምድሃብ ክላዘባ ኢየን።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment