ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝተረኸባሉ ስነ-ስርዓት ሽልማት `በጎ ሰው` ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸባሉ መበል 12 ዙር ስነ-ስርዓት ሽልማት `በጎ ሰው` ይካየድ ኣሎ።

ሽልማት በጎ ሰው፤ ሰናይ ተግባር ዝሰርሑ ሰባት ብምሽላምን ኣፍልጦ ብመሃብን ካልኦት ሰባት ምፍራይ ዕላማ ሒዙ በቢዓመቱ ዝሳለጥ መርሃ-ግብሪ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ-ግብሪ ብ11 ዓውዲታት 32 ትካላትን ውልቀሰባትን ከምዝሽለሙ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣፍልጦ ካብ ሞንጎ ዝወሃቦም ዓውዲታት÷ ማሓበራዊ ሓላድነት ብብቕዓት ምውፃ፣ መምህርነት፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኪነ-ጥበብ፣ ሰናይ ተግባር፣ ቢዝነስን ፈጠራ ስራሕን፣ መንግስታዊ ሓላፍነት ብብቕዓት ምውፃእ ዝብሉ ይርከቡዎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓድጊ ባህሊን ቱሪዝም፣ ማሕበራዊ መፅናዕቲ፣ ሚዲያን ጋዜጠኝነትን ሰናይ ተግባር ኣብ ወፃኢ ሃገር ነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሽልማት ዝወሃበሎም ዘፈራት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment