ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነበር ፕዚዳንት ኬንያ ኣራፕ ሞይ ይሳተፋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ብሄራዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነበር ፕዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ ስታዲየም ንያዮ እናተካየደ ዝርከብ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፥ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌን ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሓ፥ ሚኒስትር ቱሪዝምን ሃፍቲ ዱርን ኬንያ ነጂብ ባላላ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም፣ ዲፕሎማሲታት እቲ ኤምባሲን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኬንያን ኣቀባብላ ገይሮምለን።

ድሕሪ ናፅነት ኬኒያ ካብ ጆሞ ኬኒያታ ቀፂሎም ስልጣን ዝተረከቡ ካልኣይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ብምዃን ን24 ዓማውቲ ዝመርሑ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል ኣራፕ ሞይ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 95 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ከምዝተፈለዩ ይዝከር።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 27 ጥሪ 2012 ዓ.ም ንኬንያውያን መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን ምምሕልላፎም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment