ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒነን።

ዓሌትን ሃይማኖትን ንፖለቲካ ረብሓ ክውዕሉ እንትግበር፣ ሰላማዊ ዜጋታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት እንትቕተሉ፣ እንትመዛበሉን እንትንከራተቱን ምርኣይ ንምግላፅ ቃላት ከምዝሓፅረን ገሊፀን።

ብኅያት፣ ድንጋፀን ስግኣትን በሪ ብዙሓት ከምዘንኳሕኾሐን ሓዘኖም ሓዘነን ከምዝኾነን እውን ኣብሪሀን።

እተን ፕሬዚዳንት፥ ኢትዮጵያ ኣንፀላሊዩዋ ካብ ዘሎ ክፉእ ሓደጋ ንምድሓን ኩሉ ሰብ ግድኡ ክዋፀእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment