ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ መንግስቲ ፈረንሳይ ንስግግር መንግስቲ ሱዳን ዓለም ለኸ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘዳለዎ ጉባኤ ተሳቲፈን።
እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፥ ሃገሮም ፈረንሳይ ሱዳን ካብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዝተለቀሐቶ ዕዳ የቃልል ኢዩ ዝበለቶ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባራ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳን፥ ሃገራት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፀዊዖም።
ሱዳን ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ልምምድ ዴሞክራሲ ትርከብ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፥ ሃገራት እናገበረኦ ንዝርከባ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መደረ ዘስመዓ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዘበናት ዝተሳገረ፣ ብደም ዝተኣሳሰረ፣ ምሕዝነትን ምትእስሳርን ኣብሪሀን።
ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝምለከት እውን እቲ ግድብ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንዜጋታታ ጠለብ ሓሊ ካብ ምምላእ ሓሊፉ ንሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ተረባሕቲ ክገብር ዝኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ብኻሊእ መልክዑ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝተፈጠሩ ዘይምስምዕማዓት ይኹኑ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ዘይምርድዳኣት ክፈትሑ ዝግበኦም ብዘተን ኣብ መርህ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዝግባእ ምግንዛበን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሚን ፕሬዚዳንት ግብፂ ዓብዱልፈታህ ኣልሲሲን ካብ ኣፍሪካ መደረ ከምዘስምዑ ተሓቢሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!