ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ሺሴኬዲ ብስልኪ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንትፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ሺሴኬዲ ብስልኪ ተዛቲየን።

ፕሬዚዳንት ፌሊክስ ሺሴኬዲ ናብ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ብዝገበሩዎ ፃውዒት ስልኪ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ ዛዕባታት ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሬዚዳንት ፌሊክስ ሺሴኬዲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝገበሩዎ ተወሳኺ መብርሂ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣመስጊነን።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ ዘተ ዘለዋ ቆራፅነት ከምዝድግፉ እቶም ፕሬዚዳንት ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment