ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ብዝምልከት ንመራሕቲ እተን ሃገራት የብርህን የረድእን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኡጋንዳ ዘምርሓ እንትኾና፥ ምስ ፕሬዚዳንት ዩዌሪ ሙሴቪኒ ብምርኻብ ከምዝተዛተያ ተሓቢሩ።

ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ናብ ናይሮቢ ብምምራሕ፥  ኢትዮጵያ ኣብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ብዝምልከት ምስ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ከምዘረድአ ይዝከር።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment