ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ታንጀብል ሆፕ ፋውንዴሽ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ መስራቲትን ዋና ፈፃሚት ስራሕን ታንጀብል ሆፕ ፋውንዴሽ ሊሊ ዮሴፍ ተዛትየን።

ተግባር እቲ ፋውንዴሽን ጠጠው ንዝበለሉ ዕላማ ቁርፀኛ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘምፅእ እውን እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ደቂ ኣነስትዮ ክመሃራ ምግባር ህይወተን ንኽቅየር  መገዲ ምሕባር ምዃኑ ኣብሪሀን።

ብተበግሶ ውልቀ ሰባት ዝስርሑ ስራሕቲ ብዙሕ ወፅኢት ከምዝተረኸበሎምን ካልኦት ሰባት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ሓገዝ ንኽገብ ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መስራቲትን ዋና ፈፃሚት ስራሕን ፋውንዴሽ ታንጀብል ሆፕ ሊሊ ዮሴፍ ብገደአን፥ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኮፈሌ 100 ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ሲዳማ 20 ተምሃሮ ከተኣናግዱ ዝኽእሉ ኣብያተ ትመምህርቲ ምህናፁ ገሊፀን።

ኣብቲ ፋውንዴሽን ዝመሃራ ተምሃሮ፥ ትምህርተን ክሳብ ዝዛዝማ ሙሉእ ሓገዝ ካብ ምግባር ሓሊፉ ካብ ትምህርተን ከይተኣጓጎላ ብዝብል ንስድራ ቤት እተን ተምሃሮ እውን ሓገዝ እኽሊን ዘይቲ ብልዒን ከምዝገብ ሓቢረን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣሮፓውያን 2011 ዝተጣየሸ ታንጀብል ሆፕ ፋውንዴሽ፥ ኣብ ገጠራማ ከባቢ ዝርከባ ደቂ ኣነስትዮ ሰገናት ክብ ድኽነት ንኽናገፋን ዓቕመን ንኸማዕብላን ሓገዝ ዝገብር ትካል ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment