ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ደቡበ ኮሪያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ደቡበ ኮሪያ ጂን-ፒዮን ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ተዛቲየን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ርክብ ፓርላማ ምጥንኻርን ዘድሀበ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ክሳብ 53 ኣብ እዋን ኲናት ኮሪያ ንደቡብ ኮሪያ ንምሕጋዝ ወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸት ኣዘኻኺረን፡፡

ክልቲአን ሃገራት ብደም ዋጋ ዝኸፈላ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዙት ኢየን ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment