ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ፓርላማ ጉዳያት ወፃኢ፣ ምክልኻልን ድሕንነትን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣባላት ኮሚቴ ፓርላማ ጉዳያት ወፃኢ፣ ምክልኻልን ድሕንነትን ታንዛኒያ ተዛቲየን።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ብግደአን፥ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ፣ ጥንኩር ርክብ ከምዘለወንን ኣብ ዘፈር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ክስፋሕፋሕ ከምዘለዎ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ታንዛኒያ ማዕቐፍ ስምምዕነት ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ካብ ሞንጎ ዘፅደቓ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ይፍለጥ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment