ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣባላት ቦርድ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ወገኔ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣባላት ቦርድ ኣብ ኣሜሪካ ብዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመስረተ ማሕበር ኢትዮጵያውያን ወገኔ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ÷ 23 ዓመት ዘቑፀረ እቲ ማሕበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ስድራቤታት ብምሕጋዝን ህፃናት ትምህርቲ ንኽረኽቡን እናተሰርሐ ብዛዕባ ዝርከብ ዝተዋደደ ሓገዝ ስድራን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ እተን ኣባላት ቦርድ ንዝገበረኦ ተበግሶን ንዘምፀአኦ ፅቡቕ ውፅኢትን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ብዝተጠናከረ ኩነታት ንኽቕፅላ ከምዘበረታትዓ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment