ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ተዛቲየን።
እቲ ኮሚሽን ናብ ስራሕ ድሕሪ ምእታዉ ዝፈፀሞም ቃንዲ ቀንዲ ተግባራት ነተን ፕሬዚዳነት ኣብሪሆም።
ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፥ ምስ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ምዝታይ ከምኡወን ነቲ ዘተ መሰረታዊ ዝኾኑ ሓሳባት ናይ ምስንዳእ ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ዝተውሃቦ ሓደራን ሓላፍነትን ብገለልተኝነት ንክዋፃእ ደገፍ ንክግበረሉ ሓቲቶም።
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ዘተ ንካልኦት ሃገራት ብመርኣያ ዝሕበር ንክኸውን እቲ ኮሚሽን ብዘይምንም ፅዕንቶ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ኣተሓሳሲበን።
ነዚ ድማ ኣድላዪ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዝግበር ኣረጋጊፀን ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።