ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅን ኢንጂነር ታከለን ንበዓል ትንሳኤ ዝኸውን ህያብ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ንበዓል ትንሳኤ ዝኾኑ ህያባት ኣወፊዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ መነን ናብ ዝርከብ መፅንሒ ሰብ ሞያታት ሕክምና ብምኻድ ዝተፈላለዩ ህያባት ነቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ኣረኪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ፍልውሃ ንዝርከቡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንበዓል ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ህያባት ከምዘወፈዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋኑ ምትሕብባር ዝሓትት ብምዃኑ፥ ሕብረተሰብ ነኒሕድሕዱ ክተሓጋገዝን ዘለዎ ንኸካፍልን ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment