ፕሬዚዳንት ሩቶ ካብ ኣባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ንካቢኔ ሓፂዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ብራይላ ኦዲንጋ ካብ ዝምራሕ ዋና ተናሓናሒ ፓርቲ ኣርባዕተ ሰባት ንካቢኔ ከምዝሓፀዩ ተገሊፁ።

ብምዃኑ ሓሰን ጆሆ ፀሓፊ ካቢኔ ጉዳያት መዓድን፣ ብሉ ኢኮኖሚን ባሕሪን ብምዃን እንትምረፁ፣ ዊክሊፍ ኦፓራኒያ ፀሓፊ ካቢኔ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ጆን ምባዲ ኣብ ሚኒስቴር ብሄራዊ ግምጃ ቤትን ኦፒዮ ዋንዳዪ ብሚኒስትርነት ኢነርጂ ኣቕሪቦም።

ኣርባዕቲኦም ፖለቲከኛታት ኣካል ዓሰርተ ሕፁያት ዝነበሩ እንትኾኑ፥ መራሒ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኦሬንጅ ናይ ቀረባ መሓዛ ከምዝኾኑ እውን ይንገር።

ፕሬዚዳንት ኬንያ ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ኣብ ዝገበሩዎ ቀዳማይ ዙር ሽመት ሽዱሽተ ነበር ሚኒስትራት ካቢኔ ከምዘፅንሑ ኣፍሪካ ኒውስ።

Comments (0)
Add Comment