ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዶንባስ ፍሉይ ወተሃደራ ወፍሪ ከምዝተጀመረ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ዩክሬን ብምግንፃል ንገዛእ ርእሳ ናፃ ሃገር ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዝኣወጀት ዶንባስ ፍሉይ ወተሃደራ ወፍሪ ከምዘጀመሩ ዕላዊ ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቶም ኣንፃር ብሩስያ ዝሕገዙ ዕጡቓት ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን ዕጥቆም ፈቲሖም ንገዝኦም ክምለሱ ተማሕፂኖም።

ሩስያ ንዩክረይን ንምሓዝ ድልየት ከም ዘይብላ ብምግላፅ፥ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተተፈሙ ግን ‘‘ቅልጡፍ’’ ምላሽ ከም ዝህቡ ተዛሪቦም።

ዩክረይንን ምዕራባውያን መሓዙታን ሩስያ ንወራር አዐርያ ተቐሪባ ከም ዘላ ኣቐዲሞም ገሊፆም ነይሮም፡፡

ብኻልእ ዜና ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዩክረይን ድምፂ ነታጒ ኣብ ጥቓ ኣብ ርእሰ ከተማ ከይቭ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሪስፒል ድማ ድምፂ ተዂሲ ጠያይቲ ከም ዝተሰመዐ ዝገልፁ ፀብፃባት ይወፅኡ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብረቡዕ አብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ነቲ ‘‘ዘይምኽንያታዊ ’’ ዝበሉዎ ወራር ሃገሮምን መሻርኽታን ብሓባር ግብረ መልሲ ከም ዝህባሉ ኣፍሊጦም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ስርሒት ከም ዝጀመረት ቅድሚ ምግላፃ፥ ፕሬዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ሩስያ ‘‘ኣብ ኣውሮፓ ዓብዪ ኲናት’’ ክትጅምር ከምእትኽእል ብምሕባር ሩስያውያን ነቲ ስጉምቲ ክቃወሙ ፀዊዖም ነይሮም።

ፍልፍል፦ሲ ጂ ቲ ኤን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment