ፕሬዚዳንት ሩሲያን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤልን ቅልውላው ዩክሬንን ሩሲያን ብዝምልከት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያን ቭላድሚር ፑቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤልን ናፍታሊ ቤኔት ቅልውላው ዩክሬንን ሩሲያን ናብ ሰለማዊ መገዲ ኣብ ዘምረሐሉ ኩነታት ብምድሃብ ብቴሌፎን ተዛቲዮም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ መንጎ ተወከልቲ ዩክሬንን ሩሲያን ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ዝሳለጥ ዘሎ ድርድር በዝምልከት ነቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሀሙሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ብግደኦም፥ ቅልውላው ዩክሬንን ሩሲያን ብዝምልከት ምስ ብብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ብዛዕባ ዝገበርዎ ዘተ መብርሂ ሂቦም።

ከልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዶንባስ ዝርከቡ ሪፐብሊካን ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፍሉይ ወፍሪ ልውውጥ ሓሳብ ከምዝገበሩ ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment