ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበን ስረሖም ዝወድኡ ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣሰናቢተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበን ስረሖም ዝወድኡ ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ቤንጌት ቫንን ኣሰናቢተን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣምባሳደር ቤንጌት ቫንን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምድንፋዕ ዝከኣላ ከምትሰርሕ ገሊፀን።

እቶም ኣምባሳደር ብግደኦም፥ ንዘሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኢትዮጵያን ኔዘርላንድን ብዓውዲ ንግዲ ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘለወን ርክብ ንምጉልባት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment