ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፋሊፔ ኒዪሲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፋሊፔ ኒዪሲ ኣብ መበል 36 ገባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳነት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

መበል 36 ገባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 11 ክሳብ 12 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዝሳለጥ እንትኸውን፥ “ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ትግበራ ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment