ፕሬዚዳንት ማክሮን ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶን ክፀምበራ ፈቒዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ንምፅምባፈር ዘቕረበኦ ሕቶ ልዕሊ 20 ብዝኾና ኣባላ ሃገራት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንክልቲአን ሃገራት ኖርዲክ እወንታ ዝህብ ክታም ምንባሮም ይዝከር።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን እውን ንክልቲአን ሃገራት ናብ ኔቶን ክፀምበራ ምፍቃዶም ብክታም ከምዘረጋገፁለን ተሓቢሩ፡፡

ቱርኪ ብግብረ ራዕዲ ንዝፈረጀቶም ኩርዲታት፥ ስዊድንን ፊንላንድን ሓገዝ ይገብራሎም ኢየን ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንሕቶ ኣባላነት እተን ሃገራት ውድቂ ምግባራ ይዝከር።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ኣብ ሞንጎ ቱርኪን እተን ሃገራትን ዝነበረ እዋናዊ ዘይምርድዳእ ናብ ስምምዕ እናምረሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፊንላንድን ስዊድንን ዘቕረበኦ ሕቶ ንኽፀድቕ፥ ብኩለን 30 ኣባላት እቲ ሕብረት ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment