ፕሬዚዳንት ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ንቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒለምዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ንቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒለምዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሄንሪ-ማሪ ዶንድራን ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓልሉ ምኽኒያት ኣብ ውሽጢ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ደጋፊ ሩሲያን ፈረንሳይን ብዝብል ዝተፈጠሩ ጉጅለታት ብዘሎ ምስሕሓብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ እቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብሚኒስትር ኢኮኖሚ ዘገልግሉ ዝነበሩ ፊሊክስ ሞላዋ ከምዝተተክኡ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ቲ ኣር ቲ እንተኾይኑ፥ ሄንሪ-ማሪ ዶንድራን ቅዋሞም ናብ ፈረንሳይ ቅርበት ዘለዎ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣብ መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ መተራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተሳቲፎም ናብ ሃገሮም ምስተመለሱ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment