ፕሬዚዳንት ማሊ ቡባካር ኪዬታ ብወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ማሊ ኢብራሂም ቡባካር ኪዬታ ትማሊ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ ኣብ ማዕኸን ቴሌቪዥ እታ ሃገር ቀሪቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ስልጣኖም ከምዝለቐቑን ፓርላማ ከምዝተበተነን ኣፍሊጦም።

ኣብ ማሊ ብዘሎ ግዕዝይናን ዝተዳኸመ ኩነታት ፀፅታን ምኽንያት ልዑል ተቓውሞ እናተለዓለሎም ዝፀንሑ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ መንበሪ ገዝኦም እናሃለዉ ብሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ክኢሎም ኢዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ኣነ ኣብ ስልጣን ንኽፀንሕ ደም ክፈስስ አይግባእን” ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቡቡ ሲሴን እቶም ፐሬዚዳንትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስ ወዓሉ፥ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ማሊ ናብ ዝርከብ ወታደራዊ መዓስከር ከምዝተወሰዱ ማዕኸናት ዜና ኣልጀዚራን ቢቢሲን ፀብፂበን።

ነቶም መራሕቲ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓሉዎም ወታደራት ስልጣን ንመሓዝ ድሌት ከምዘይብሎም ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ሃገር ናይ ምርግጋእ ስራሖም ከምዝሰርሑ ግን ኣገንዚቦም።

ይኹን እምበር ሕብረት ኣፍሪካ፣ ፈረንሳይን ጎረባብቲ ሃገራትን በቶም ወታደራት ዝተወሰደ ስጉምቲ እናተቓወሙዎ ይርከቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment