ፕሬዚደንት ባይደን ገበነኛ ንዝተብሃለ ወዶም ምሕረት ገይረሙሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኽልተ ገበናት ንዝተኸሰሰ ውላዶም ሃንተር ወግዓዊ ምሕረት ገይረሙሉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ፥ “ወደይ ንበይኑ ተነፂሉ መጥቃዕቲ በፂሕዎ፤ እዚ ድማ ምጥምዛዝ ፍትሒ እዩ” ኢሎም።

ሃንተር ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብዝቐረበሉ ክሲ ምትላል ግብሪ፣ ዘይሕጋዊ ኣጠቓቕማ ዕፀፋርስን ምሓዝ ዕጥቅን ኣብ ወርሒ ሰነ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ብመሰረት እዚ ወዲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕሬዚዳነት ብገበን ዝተፈርደ ፈላማይ ኣመሪካዊ ኮይኑ ኢዩ።

ንውፅኢት መረፃ ኣመሪካ ዘይተቐበሉ ደገፍቲ ትራምፕ “6 ሰነ”፥ ኣብ 2022 ናብቲ ካፒቶል ሂል እናተብሃለ ዝፅዋዕ ቤተ-መንግስቲ ኣትዮም ናዕቢ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።

ስለዝኾነ ምሩፅ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፥ “እቲ ፕሬዚዳንት ንወዱ ምሕረት ምግባሩ ነቶም ካብ 6 ሰነ ጀሚሮም ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕልፉ ዘለዉ’ውን ዝምልከት ድዩ? እዚ እዩ ምዝመዛን ምጥምዛዝን ፍትሒ” ኢሎም።

ባይደን ኣብዚ ውሳነ ንምብፃሕ ብዙሕ ከምዝተቓለሱ ብምግላፅ፥ “ህዝቢ ኣሜሪካ ከም ኣቦን ፕሬዚዳንትን ከመይ ገይረ ናብዚ ውሳነ ከምዝበፃሕኹ ክርድአለይ ተስፋ እገብር” ኢሎም።

ምሕረት ዝተገብረሉ ሃንተር ጆ ባይደን ብግድኡ፥ “ኣብ ፀልማትን ግዙእ ወልፊ ሓሽሽ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋንን ዝፈፀምክዎ ገበን እዩ፤ ንፖለቲካዊ ረብሓ ውዒሉ” ዝብል መግለፂ ምውፅኡ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ምሕረት ከም ዕሽነት ኣይርእዮን። ዝተረፈ ዕድመይ ንሕሙማትን ዝተፀገሙን ኣብ ምሕጋዝ ከሕልፎ እየ” ድማ ኢሉ።

ሃንተር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ይኹን ሓሽሽ ኣይተጠቐመን።

ኣብ 2020 ዶናልድ ትራምፕ’ውን ንኣቦ ስብኣይ ጓሎም ቻርለስ ኩሽነር ምሕረት ምግባሮም ይዝከር።

ትማሊ ሰንበት ንቻርለስ ኩሽነር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ፈረንሳይ ንክኸውን ሸይሞምዎ ኢዮም።

Comments (0)
Add Comment