ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ሳህለ ወርቅ ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ 2020 ኣትሌታት ናይ እንኳ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውድድር ብፍላይ ኣብ ነዊሕ ርሕቐት ጉያ ተሳቲፎም ዝከኣሎም ብግባር ወርቂ ሓዊሱ ሜዳሊያ ክርከብ ንዝገበሩ ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣመስጊነን፡፡
እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መለማመዲ ቦታ እቶም ኣትሌታት ብምርካብን ኣብ ቤተ መንግስቲ ስ-ስርዓት ምፍናው ብምግባርን ከምዘበረታትዐኦም፣ መንግስቲ እውን ልዑል መዋእለ ንዋይ መዲቡ ነቶም ኣትሌታት ንምድጋፍን ንምብቃዕ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበረ ኣብ መልእኽተን ኣብሪሀን፡፡
ኩነታት ምስ ተመዓራረየ ዕላዊ ኣቀባብላ ከምዝዳሎ እውን ገሊፀን፡፡
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብዝምልከት ዝርዝር ፀብፃብ ከምዝፅበያ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።