ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2024/2025 ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ፉልሃም ፈላማይ ፀወታ መርሃ ግብሪ ውድድር እዚ ዓመት ክገብራ ኢየን።

ፅባሕ ድማ፥ ኢፕስዊች ምስ ሊቨርፑል፣ ኣርሰናል ምስ ወልቭስ፣ ኢቨርተን ምስ ብራይተን፣ ኒውካስል ምስ ሳውዝሃምፕተን፣ ዌስትሃም ምስ ኣስቶንቪላን ኖቲንግሃምፎረስት ምስ ቦርንማውዝ ክፃወታ ኢየን።

ሰንበት ድማ፥ ቼልሲ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

Comments (0)
Add Comment