ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ዘሎ ጎንፂ ጠጠው ንኽብል ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ዘሎ ጎንፂ ጠጠው ንኽብል ፃዊዖም።

እቶም ፕረዚደንት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣሜሪካ ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ብምዃን ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኽብል ትሰርሕ ምህላዋ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ እቲ ብቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ዘሎ ተፃብኦ ደው ንኽብል ክወፅእ ዝተሓሰበ መግለፂ ከምዘተዓናቐቶ ይግለፅ።

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍሊስጤምን ዝተጀመረ ጎንፂ ካልኣይ ሰሙኑ ሒዙ ይርከብ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓፀረ መዓልቲታት ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኸብሉ ዝተብፅሐ ስምምዕነት የለን።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ቀንዲ ማእከል ስሕበት እቲ ጎንፂ ኮይና ኣብትርከብ ወሽመጥ ጋዛ፤ 61 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 212 ሰባት እንትሞቱ፥ ብወገን እስራኤል ድማ ክልተ ህፃናት ዝርከቡም 10 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ኮይና እቲ ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ንኽብል ትሰርሕ ከምዘላ ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ ሓቢራ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ሞት ሰላማውያን ሰባት፣ ምዕናው ናውቲን ህንፃታትን ጠጠው ንኽብል ብተደጋጋሚ ፃውዒት እናቕረቡ ይርከቡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment