ፔፕፋር ኣብ ኢትዮጵያ ኤች ኣይ ቪ ንምክልኻል ዝውዕል ደገፍ 106 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፔፕፋር ኣብ ኢትዮጵያ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዝውዕል ደገፍ 106 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ።

ብብርኪ ዓለም ንኤች ኣይ ቪ ኤድስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጣየሸ  ፔፕፋር መርሃ ገብሪ ኣመራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ተዛቲዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዚ በጀት ዓመት ኤች አይ ቪ/ኤድስ ንምክልኻልን ምቁፅፅርን ዝውዕል ዝውዕል ደገፍ 106 ሚሊየን ዶላር ከምዝፀደቐ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment