ፓኪስታን፤ ኣሜሪካ ኣብ ተዳልዎ ኣኼባ ዴሞክራሲ ንዘይምስታፍ ወሲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓኪስታን፤ ኣሜሪካ ኣብ ተካይዶ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተሓገዛ ኣኼባ ዴሞክራሲ ሃገሮም ንዘይምስታፍ ምውሳና ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን፤ ሃገሮም ኣብቲ ኣኼባ ንክትሳተፍ ዝቐረበላ ዕድመ ኣመስጊኖም።

“ፓኪስታን ናፃ ስነ-ስርዓት ዳኝነት፣ ንቑሕ ሲቪል ማሕበረሰብን ዘይሻራዊ መራኸብቲ ሓፋሽን ዘለውዋ ዴሞክራሲያዊት ሃገር እያ፤ ብዝበለፀ ዴሞክራሲ ንምጥንኻር፤ ግዕዝይና ንምጥፋእ ከምኡ ድማ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ንምሕላውን ንምኽባርን ቆራፅ እያ” ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር ፓኪስታን እዞም ዕላማታት ንምዕዋት ሰፊሕ ምምሕያሻት እናገበረት ትርከብ ዝበሉ እንትኾኑ፥ ዝተወሰዱ ስጉምቲ ምምሕያሻት ኣብታ ሃገር ኣወንታዊ ለውጢ ኣምፂኦም እዮም ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

“ምስ ኣሜሪካ ዘለና ርክብ ኣፍልጦ ንህብ ኢና፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻውን ምትሕብባራት ዘለና ክነጠናኽ ንደሊ ኢና” ክብሉ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ኣብ ብዙሓት ጉዳያት  ምስ ኣሜሪካ ፅቡቕ ርክብ ኣለና፤ ኣብቲ ዝተተዓደምናሉ ጉዳይ ዘለና ምልከታ ድማ ግቡእ ኮይኑ ኣብ ዝተርኣየና ጊዜ ግልፂ ክንገብር ኢና ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ተዳልዎ  ብበይነ መርበብ ኣኼባ ዴሞክራሲ ሎምን ፅባሕን ዝካየድ እንትኸውን፥ ቻይናን ሩሲያን ኣብቲ ኣኼባ ንኽሳተፋ ዕድመ ኣይበፅሐንን ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቲ ኣር ቲ ወርልድ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment