ፓርክ እንጠጦ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2013 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላዊ ስነስርዓት ምረቓ ፓርክ እንጠጦ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

“ሸገርን ማስዋብ” ናይ ዝበሃል ፕሮጀክት ሓደ ኣካል ዝኾነ ፓርክ እንጦጦ፥ ሃገራዊ ስያመታትን መሀደስቲ ዓውዲታትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፓርክ ብመንግስቲን ሰብሃፍቲን ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኢዩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ነቲ ፓርክ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብቲ ፓርክ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንዝተዋፈሩ ትካላት አመስጊኖም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ፓርክ ዕድል ስራሕ ንዝረኸባ ልዕሊ 460 ኣዴታት ቁልፊ ዝሰርሓሉ ቦታ ኣረኪቦም።

ኮቪድ 19 ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታትን ኣፍልጦ ዝህብ ሓዉልቲ ኣብቲ ፓርክ ብምህናፅ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment