ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክትር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተመሪቑ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መናእሰይ እቲ ከባቢ ስራሕ ምልማድ፣ ንመስራሕቲ ምኽባርን ካብ ወፃኢ ዝተረኸበ ልምዲ ኣብ ሓፂር እዋን ብምትካእን ብልዑል ስምዒት ሓላፍነት ክንቀሳቐሱ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ዝተመረቐ ፓርክ ኢንዱስትሪ፥ ካብቲ ዝህቦ ግልጋሎት ኢንዱስትሪ ብተወሳኺ ማእኻል መዘናግዒን ምርምር ተምሃሮን ንኽኸውን ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ክሰርሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ማእኸላት ፓርክ ኢንዱስትሪ፥ ንቴክኖሎጂን ስግግር ፍልጠትን ካብ ምጥቃም ብተወሳኺ መባፅሕቲ ቱሪዝም ምግባር ከምዝከኣል እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሊ ሓረስቶት ምስ እቲ ፓርክ ብምትሕሓዝ ዕድል ስራሕ ንኽፍጠረሎም ምስ ዝልምከቶም ኣካላት ክሰርሑ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኩለመዳይ ለውጢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምትሕብባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ ኣብቲ ክልል ዘፈር መፍረዪ ንምዕባይ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን እናተሰርሑ ከምዝርከቡን ገሊፆም።

ብፓርክታት ኢንዱስትሪ ፌዴራል ኣቢሉ፤ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ባህርዳር፣ ደብረ ብርሃንን ኮምቦልቻን ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ፥ ብመንግስቲ እቲ ክልል ድማ ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፥ ኣብ ኢትዮጵያ 13 ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ከምዝተሃነፁን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ እቶም 10 ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ሓላፊ ቤት ፅፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment