ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተማለአ መሰረተ-ልምዓት ከምዝተሃነፀሎም ኣረጋጊፅና – ቻይናውያን ሰብ ሃፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተዓዘብናዮም መሰረተ ልምዓታት ንኣትራፋይ ኢንቨስትመንት መሰረት ኢዮም ክብሉ ኣባላት ላዕለዋይ ልኡኽ መንገስቲን ቢዝነስን ቻይና ገሊፆም፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ቻይና ዝመፅኡ ልዕሊ 90 ኣባላት እቲ ልኡኽ ምንቅስቓስ ስራሕን ሓፈሻዊ ከይዲ ምፍራይን ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ተዓዚቦም።

ኣቭቲ እዋን ድማ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ቀረባት መሰረተ-ልምዓትን ንኢንቨስትመንት ምቹውን ንምትራፍ መሰረት ከምዝኾኑን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ብምእታው ንምስራሕ ተግባር ቅድመ ኢንቨስትመንት ከመዝውግኑ እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment