ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትፅቢት ዝግበረሎም ውፅኢት ንኸምፅኡ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብር ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእን ትፅቢት ዝግበረሎም ውፅኢት ንኸምፅኡ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ለቡ ሁዋጂያን ዑደት ዝገበራ እንትኾና÷ ብፍላይ እቶም ፓርክታት እንታይ ዓይነት ፀገማት እናጋጠሙዎም ይርከቡ፣ ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል፣ ካብ መንግስቲ እንታይ ትፅቢት ይግበር፣ ዝብሉ ጉዳያት ብትኹረት ተራእዮም ምላሽ ዝወሃቦም ጉዳያት ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት እውን ተግባራዊ ምላሽ ንመሃብ ከምዝኾነ ከንቲባ ኣዳነች ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ እዋን ዑደት ምክትል ከንቲባ ጃንጥራር ኣባይ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment