ፓርቹጋል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምትሕብባርን ፓርቹጋል ኑኖ ሳምፓዮ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፖርቹጋልን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘቲዮም፡፡

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣብ ካልኦት ዓውዲታትን ኣካዳሚክ ምትሕብባራት ኣብ ዝጠናኸሩሉን ሕዚ ዘሎ ርክብ ኣብ ዝጠናኸረሉን ኩነታት ጠሚቶም ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ፡፡

ኑኖ ሳምፓዮ ብግደኦም÷ ፖርቹጋል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ካልኦት ዓውዲታትን ዘለዋ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ርክብ ኣጠናኺ ክትቅፅል ከምትደሊ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment