ፓርትታት ፖለቲካ ኣብ ካበብያዊ መረፃ ብንቕሓት ንክሳተፉ ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርትታት ፖለቲካ ኣብ ካበብያዊ መረፃ ብንቕሓት ንክሳተፉ ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ሓቲቱ።

እቲ ቦርዲ መረፃ ንመበል ሓምሻይ ዝካየድ ከባብያዊ መረፃ ኣብ ማሕቖፍ ሕጊን ኣፈፃፅማን ዝገበሮ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ ምስ ፓርትታት ፖለቲካ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መኺሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከባብያዊ መረፃ ንምክያድ ዘሎ ማሕቖፍ ሕጊ ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሓበረ እንትኾን፤ ክልላት ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መረፃ ምስላጡ ኣብቲ መፅናዕቲ ተላዒሉ።

መበል 5ይ ከባብያዊ መረፃ ምስ ክልላት ብምዝርራብ ኣብ 2015 ዓ.ም ከምዝግበር ኣካቢት ብሄራዊ መረፃ ብርቱካን ሚዴቅሳ ተዛሪበን።

ከባብያዊ መረፃ ናይ ብሄረሰብ፣ ዞባን ቀበሌን ኣባላት ቤት ምኽሪ መረፃ ዝካየደሉ ምዃኑ ኣብ መረፃ ሕጊ ተነቢሩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል 4 ከባብያዊ መረፃታት ዝተሳለጠ እንተኾን፣ ናይ መወዳእታ ምስተኻየደ ልዕሊ 9 ዓመት ከምዘቑፀረ ምሕባሩ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment