ፓርቲ ብልፅግና ፈተናታት ናብ ዓወት ብምቕያር ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ፈተናታት ናብ ዓወት ብምቕያር ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ፈላማይ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ሃዋሳ የሳልጥ ኣሎ።

ክሳብ ፅባሕ 1 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ 1 ሺሕን 116 ኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ፓርቲ ኣብ ፈላማይ ጉባኤኡ ዝሃቦም ውሳነታት ብምፍፃም ብዙሓት ሃገር ክብ ዘበሉ ዕዉታት ስራሕቲ ተፈፂሞም ኢዮም ኢሎም።

ንሳልሳይ ግዘ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት፣ ኢትዮጵያ ስንዳይ ሰደድ ክትገብር ኣለዋ ዝብል ውሳነ ዝብሉ ጉዳያት ብኣብነት ብምርቋሕ ብዕዉት መገዲ ምፍፃሞም ድማ ኣብሪሆም።

ስለ ዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ፈተናታት ናብ ዓወት ብምቕያር ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፓርቲ ካብ ዝጣየሽ ውሑዳት ዓማውቲ ዝገበረ እኳ እንተኾነ ብዙሓት ኣባላት ብምሓዝ ብብርኪ ሃገር ይኹን ዓለም ዝጥቀስ ፓርቲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናይ ምምዕባል ተስፋ ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ንዕብየታ ማሕልኻ ዝኾኑ ተረኻት ምቕራፍ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ስርቂ ዝተጀመረ ቃልሲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment