ፓርቲ ብልፅግና ድሌት ሰላም፣ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዝሰርሕ ህብረ ብሄራዊ ፓርቲ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና “ካብ ፈተና ናብ ልዕልና!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ዘመሓላለፉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ፓርቲ ብልፅግና ድሌት ሰላም፣ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዝሰርሕ ህብረ ብሄራዊ ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ካብ ለውጢ ጀሚሩ ብዙሓታት ፈተናታት ይግጠሙዎ እምበር ንዜጋታት ብዘሳተፈ መልክዑ ብብቕዓት እተሳገረ ትምህርቲ እናወሰደን ፀገማት ናብ ዓወት እናቐየረ ምምፅኡን ኣብሪሆም፡፡

ዝሓለፉ ጥንኩር ጎኒታቱን ጉድለታቱን በቢ እዋኑ ብምፍላይ ንዝቕፅል ወለዶ ዘላቒ ረብሓ ዝተግህ ፓርቲ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፓርቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተውሃቦ ሓደራ ብብቕዓት ንምውፃእ እውን ዝስተውዓሉ ውስንነታት ብዝግባእ ፈቲሹ ብምፅራይ ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ሰፊሕ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ከምዝጅምር ዝሓበሩ ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ስለዝኾነ ድማ ብዙሓት ዝጭበጡ ለውጢታት ከምዝተርኣዩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ጉባኤ ፅሬት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ፓርቲ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ዘጠናኽሩ ኣንፈታትን ውሳነታትን ክውሰኑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ኣገንዚቦም፡፡

“ዕላማ እቲ ጉባኤ ንምዕዋት ክልና ናይ ባዕልና ኣስተዋፅኦ ክንገብር ይግባእ” ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment