ፓርቲ ብልፅግና ዝተፈላለዩ ውሳነታትን ኣንፈታትን ብምሃብ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእኸላይ ኮሚቴን ፓርቲ ብልፅግና ስሩዕ ኣኼብኦም ካብ 13 ክሳብ 17 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሳሊጦም።

እቲ ኣኼባ፥ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ኢትዮጵያ ከምኡውን እዋናዊ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ዝዳህሰሰ “ስብራት ምፅጋን፣ ንትውልዲ ምእማን” ዝብል ሰነድ ቀሪቡ ዘተ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ሃገረ መንግስቲ ዘጋጠማ ስብራት ኣፍልጦ ምሃብን ነቶም ስብራታት ንምፅጋን ዘኽእል ስትራቴጂ ብምንዳፍ ለይቲን ቀትሪን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣብቲ ሰነድ ብዝርዝር ቀሪቡ።

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ፥ ሐዚ ንዘሎ ትውልዲ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዝፀንዐን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ምርካብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንትውልዲ ምእማን ማለት እዚ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ስሩዕ ኣኼባ፥ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት  7 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ዓውድታት ግብርና፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎትን ብቕደም ሰዓብ ነቲ ምዕባለ ግደ ከምዝነበሮም ብምግላፅ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 7 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ተተንቢዩ።

ነዚ ንምዕዋት ኣመራርሓን ኣባላትን ምስ ህዝቢ ብምዃን ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ጠንኪሮም ምስራሕ ከምዝግባእ ተወሲኑ።

ዕብየትን ተበፃሕነትን ዓውዲ ፋይናንስ፣ ፍሪያት ግብርና፣ ዕድጊትን ምክፍፋልን ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ንግዲ ወፃኢ፣ ፍሪያት መኣድን፣ ጉዳይ ኢንዱስትሪታት ሽኮር ብዝምልከት እውን ብዝርዝር ብምርኣይ ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሮም ዝቕፅልሉ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ስራሕቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምጥንኻርን ናህሪ ዋጋ ብምቕናስን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብምግምጋም፥ ኣብ ቀፃሊ ክውሰዱ ዝግበኦም ተግባራት ብዝምልከት ውሳነ ተዋሂቡ።

ሜጋ ፕሮጀክትታት ዘለውዎም መሓንቓት ብምፍታሕ ንክነቓቕሑ ይግበር ከምዝሎ እውን ተገሊፁ።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣብ 2017 ዓ.ም ንክዛዘም ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment