ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት አቲ ክልልን ሃገርን ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት አቲ ክልልን ሃገርን ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ባህርዳር ይዛተዩ ኣለዉ።

ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተመዝገቡ ውፅታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ብምፍላይ ናይ መፍትሒ ስጉምቲታት ንምቕማጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ እውን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክልልን ሃገርን ኣድሂቡ እናዘተየ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment