ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒንሻንጉል ኣብ ዞባ መተከል ንዝበፅሐ ቅትለትን ዕንወትን ይቕሬታ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ንዝበፅሐ ቅትለትን ዕንወትን ይቕሬታ ሓቲቱ።

ጉባኤ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅና ክልል ቤኒንሻንጉል፥ በዓል ትሽዓተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊን ሰልምን ኩነታት ኣድሂቡ ንሰለስተ መዓልቲ እናተኻየደ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ዘጋጠመ ዘስካሕኽሕን ዘሕዝንን ኣብ መንነት ዘተኮረ ቅትለትን ዕንወትን እቲ ፓርቲ ይቕሬታ ሓቲቱ፡፡

ናይ ውልቀ ድሌቶም ንምዕዋት “ብልፅግና ኣሃዳዊ ኢዩ” ብዝብል ናይ ሕሶት ትረኻ ኣብ ክልተ ቦታታት ብምርጋፅ ንህዝቢ እናበደሉ ዝነበሩ ኣመራርሓታት ምንባሮም ተገምጊሙ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ኣብ ገበን ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ስራሕ ተሓተትቲ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

እሴትን መምርሒን እቲ ፓርቲ ብምኽባር ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ከምዝስራሕ ኣብቲ መግለፂ ቅዋም ምፍላጦም ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment