ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ጋህሲ መሬት ብዘጋጠመ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ጋህሲ መሬት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ብዘጋጠመ ጉድኣት  ዝተሰመዖ ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓዘን፥ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ተጎዳእቲ ስድራን ኣዝማድን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት መሊስካ እግሪ ንምትካል መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ግድኡ ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ማርቆስ መለሰ፥ ካብቲ ሓደጋ ተሪፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ ዘለዉ ተመዛበልቲ ኣብ ጊዚያዊ መፅለሊ ብምእታው ዕለታዊ ምግቢ ናይ ምቕራብ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ምዝራቦም ይዝከር።

ድጋፍ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ከምዝተጀመረ እውን ተገሊፁ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ቁፅሪ መወትትቲ 157 ከምዝበፅሐ ኣረጋጊፆም።

Comments (0)
Add Comment