ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕልዉ ጉዳያት ብስፍሓት ዘቲዩ – ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴታት ፈፃሚ ስራሕን ማእኸላይን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕልዉ ጉዳያት ብስፍሓት ከምዝዘተዩ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ኣብ ዝተወሰኑ ከባታት እታ ሃገር ካብ ዝረኣዩ ዘይምርግጋኣት ወፃእ ኣንፃራዊ ሰላምን ድሕንነትን ከመዘሎ ገሊፆም።

ገዛኢ ፓርቲ ምስ ዝተዓጠቑ ኣካላት ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተ ንምግባር በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን ኣብ ኣኼባታት እቲ ፓርቲ ከምዝተዘተየ ኣብሪሆም።

ኣብ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ካብ ደገን ውሽጢን ዝፍነዉ ትንኮሳታት ክገትእ ኣብ ዘኽእል ዓቕሚ ክርከቡ ዘኽአለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰላም ህዝባዊ ልዝባት ንኽካየዱ ውሳኔ ምሕላፉ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ተዛሪቦ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment