ፓርቲ ብልፅግና ርክብን ምትሕብባርን ኢትዮ-ጂቡቲ ክብ ኣብ ምባል ቁርፀኛ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መበል 45 ዓመት ምስረታ ፓርቲ ኣር ፒፒ ጂቡቲ ብምርካብ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣይተ ኣደም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ፓርቲ በልፅግና ብምውካል ኣብቲ በዓል ምርካቦም ልዑል ክብሪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ ማዕርነት፣ ፍትሒ፣ ምክብባርን ምዕባለን ዝተመስረተ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ፓርቲ ኣር ፒፒ ጂቡቲ ዝሓለፉ 45 ዓማውቲ፥ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምዃን ንምዕባለ፣ ሰላም፣ ሓድነት ህዝብታት፣ ምትሕብባር ዘለዎ ቁርፀኝነት ብተግባር ዝገለፀሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ብፕሬዚዳንት ኢስማኢል ዝተመርሐ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ፥ ጂቡቲ ማእኸል ንግዲ ንክትከውን፣ ኣብነት ምርግጋዕን ጎደና ምዕባለን ንክትከውን ምስርሑ ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ለዕሊ 14 ሚሊየን ኣባላት ዘለውዎ ፓርቲ ብልፅግና ንጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዲፕሎማሲ ቀዳምነት ከምዝህብ ብምግላፅ፥ ኣብ መንጎ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ውህደትን ሓበራዊ ተረባሕነትን ንምጥንኻር ኣብ ፕሮግራሞ ብግልፂ ከምዘቐመጠ ኣረጋጊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ርክብን ምትሕብባርን ኢትዮ-ጂቡቲ ክብ ኣብ ምባል ቁርፀኛ ኢዩ እውን ኢሎም ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መግለፂኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment