ፓርቲ ብልፅግና ምሕዝነት ኢትዮ-ቻይና ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ክሰርሕ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዚህዎ ዚሁዋን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘቶም ብዙሓት ርእሰ ጉዳያ ዘልዐሉ እንተኾኑ÷ ሓበራዊ ተረባሕነት ንምስፋሕ፣ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስፋሕን ኣተኲሮም ተመየይጦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ ዘበናት ዝተሳገረ ርክብ ኢትዮ-ቻይና ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፓርቲ ብልፅግና ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ድኽነት ኣብ ምንካይ፣ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ኣብ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣማራፂታት ንግዲ ወፃኢ ንምስፋሕ ቻይና ቁልፊ መሓዛ ኮይና ከምትቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዚህዎ ዚሁዋን ብግደኦም÷ ጥንኩር ርክብ ኢትዮጵያ ስትራቴጂክ መሓዛ ቻይና ከምዝኾት ብምሕባር÷ እቲ ርክብ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንኸዓቢ መንግስቶም ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም።

ብመሪሕነት መንግስቲ ፓርቲ ብልፅግና ንዝተፈፀሙ ዓወታት ኩሎም ልዑል ኣፍልጦ ከምዝህቡ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷እቲ ፓርቲ ኣዚዮም ኣብነታት ክኾኑ ዝኽእሉ መፈልፈሊ ሓሳባት ሪፎርም እናኾነ ምምፅኡ ተጠናኺሩ ክቕፅ ክዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment